ሎሚ ዓመት እውን ሰፊሕ በዓል ኤርትራ አብ ፍራንክፎርት ዩንቨሪስቲ (ቦክሃይመር ቫርተ) ንመበል 23 ግዜኡ ከቢሩን ደሚቑን ክውዕል’ዩ፡፡ ኣዳላዊ በዓል ከአ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ (ዕላዊ) ማሕበር አብ ሃገር ጀርመን ኢዩ፡፡
ሎሚ ዓመት እውን ሰፊሕ በዓል ኤርትራ አብ ፍራንክፎርት ዩንቨሪስቲ (ቦክሃይመር ቫርተ) ንመበል 23 ግዜኡ ከቢሩን ደሚቑን ክውዕል’ዩ፡፡ ኣዳላዊ በዓል ከአ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ (ዕላዊ) ማሕበር አብ ሃገር ጀርመን ኢዩ፡፡
ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ምንቅስቓሳትን ክሳተፍዎ ኢዮም፡፡ ድሮ’ኳ ተጋድሎ ሓርነት – ሰ/ባይቶ (ተሓኤ-ሰ/ባ)ን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ (ዲፒ)ን ተሳተፍነቶም ክፍለጥ ተኻኢሉ አሎ፡፡ ልኡኽ እዚ ክልተ ውድባት’ዚ ንክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ ብጕዳይ ሓድነታዊ ጉዕዞ ክልቲኡ ውድባት ክገልጽን መጻኢ መትከላትን ዕላማን ናይቲ ዝሰመረ ሰልፊ ከመይ ከም ዝመስል መብርሂ ክህብን ከአ ጭቡጥ ትጽቢት አሎ፡፡ ብዘይካ እዚ’ውን ሻቡ ሓደ ሓድሽ ሰልፊ ነብሱ ከላሊ ኢዩ፡፡ እዚ ሓድሽ ሰልፊ ዝዐበየ ክፍሉ መተካእታ ተሓኤ ሰ/ባ ኢዩ፡፡ ተሓኤ ሰ/ባ ካብ 2006 ዓ.ም አትሒዙ ምስ ብዕላማን መርገጽን ምስ ዝመሳሰልዎ ውድባነትን ውልቀ-ሰባትን ብምትሕብባር ሰፊሕ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሰረት ዘለዎ ሰልፊ ክምስርት ክቃለስ ጸኒሑ’ዩ፡፡ እቲ ጕዕዞ ጌና’ኳ ቀጻሊ እንተሎ ድሮ መበል 23 ሰፊሕ በዓልና መስራቲ ጕባኤኡ ደምዲሙ ክሳተፍ አብ መደቡ አሎ፡፡
ካብዚ ሐሊፉ ከምኡ ወኪል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ተሳታፊ ክኸውን ዓቢ ትጽቢት አሎና፡፡ ኤዲኪ ንልዕሊ 13 ውድባት ካብ ውድባት ተቓውሞ ዘማእክለ ኣሀዱ-ጽላል ኢዩ፡፡ ከምኡ ናይ ጀርመን ሰልፍታትን ሓለፍቲ ሰበ-ስልጣንን ከም ቀደሞም ተሳተፍቲ ሰፊሕ በዓልና ክኾኑ ኢዮም፡፡
ወናማት ባህላውን ሙዚቃውን ክኢላታትና ድማ አብ ውሽጥና ተረኺቦም መቐረት ኤርትራዊ ህይወትን ባህላዊ ሃብትን ከንጸባርቑ ኢዮም፡፡ መአዲ መግቢታት ኤርትራና’ውን ከምኡ ምሉእ ዘይጕዱል ሽሻዩ ክዝርግሐልና’ዩ፡፡
ንቐደም በሉ አብ መበል 23 ሰፊሕ በዓልና፣ ሰሲንኩም ከአ ምጹልና!
ስለ ኣዳላዊ ሽማግለ መበል 23 ፈስቲቫል
No comments yet.
Leave a comment
-
Archives
- June 2008 (9)
- April 2008 (1)
- March 2008 (5)
-
Categories
-
RSS
Entries RSS
Comments RSS