ሰልፍና ኣገዳሲ መሰጋገሪ ድንድል’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ምስቲ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት እቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምቲ ዝድለ ዘይምስጓሙ ንኩላትና ብሩህ’ዩ። ነዚ ስኽፍታዚ ንምውጋድ ድማ ዘይተሓለለ ቃልሲ ይካየድ ኣሎ። ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት ክበሃል እንከሎ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣበሃህላ’ዩ። Read more »
ንድፊ መደብ ዕዮ ሰልፊ
መእተዊ
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ከይተሓለለ ብዘካየዶ ሰላማውን ብረታውን ሓርነታዊ ተጋድሎ፡ ሃገራዊ ሉዕላውነት ክጭብጥ በቒዑ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ድሕሪ ምርግግጽ ሉዕላውነት ሃገር ዝነበረ ሓዲሽ ዕማማት ንምስልሳል ዘኽእሎ ብቑዕ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውደባ ስለ ዘይጸንሖ፡ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ኢድ መላኺ ጉጅለ ወደቐ። ድሕሪ’ዚ፡ ንዝጸንሐ ተስፋታት ዘጸልምት ንምዕባለ ሃገር ዝሕምስ፡ ፖለቲካውን ሕ/ሰብኣውን ቅልውላው ብምግሃዱን፡ ከማኡ ውን ናብራ ካብ ዕለት ንዕለት እናኣንቆልቆለ ስቓይን መከራን እናበዝሐ ብምኻዱ ፡ ኣብ ፍሉይ ቃልሲ ክኣቱ ተገደደ። ንመሰረታዊ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ንምዕዋት፡ ነቲ ብዘይ ሕጊ መንግስቲ ዝገዝእ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንምቅዋም ብግሉጽን ብስውርን ኣገባባት ክንቀሳቐስ ይርከብ። ብኣንጻር’ዚ፡ እቶም ጨካናት ምልካውያን ንተቓውሞ ህዝብና ንምዕጻፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዕታት ይፍጽሙ ኣለው። እዚ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምቁጽጻር ዝፍጽምዎ ዘለው ግፍዕታት ኣሉታዊ ስምብራት ይገድፍ’ኳ እንተሃለወ፡ ነቲ ኣንጻር ምልኪ ዝጉህር ዘሎ ቃልሲታት ክዓግት ኣይከኣለን። ህዝብና፡ ንዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት በዲሁ፡ ካብ ዕለት ንዕለት ተቓውሞኡ እናኣዕበየ ንቕድሚት ኣብ ምስጓም ይርከብ። Read more »
Hello world!
Welcome to WordPress.com. This is your first post. Edit or delete it and start blogging!
-
Archives
- June 2008 (9)
- April 2008 (1)
- March 2008 (5)
-
Categories
-
RSS
Entries RSS
Comments RSS