መደረ ዶ/ር ገብረመስቀል ሃብተዮናስ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኢንዲያናፕለስ፣ ኢንዲያና
መደረ ዶ/ር ገብረመስቀል ሃብተዮናስ ኣብ
ዋዕላ ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
ኢንዲያናፕለስ፣ ኢንዲያና
1 ሰነ 2008
ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ ዋዕላ!
ብመጀመሪያ ግዜኹም፣ ጉልበትኩምን ገንዘብኩምን ወፊኩም ኣብዚ ዋዕላ ንክትሳተፉ ብምምጻእኩም ዘለና ኣድናቖት ወሰን ከምዘይብሉ ክገልጽ እፈቱ። እንቋዕ ብዳሓን መጻእኩም ብምባል ካኣ ብስመይን ብስም ብጾተይ (ኣባላት ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ) ምስጋናይ ክገልጽ ኣፍቅዱለይ።
ብምቅጻል ካኣ ነቶም ነዛ ዕለት እዚኣ ክውን ንምግባር ለይትን መዓልትን ከይታሓለሉ ዝሰርሑ ኣባላት ኣሳናዳኢት ኮሚቴን ተሓባበርቶምን ልዑል ምስጋናይ ከቅርበሎም እፈቱ። ብተወሳኺ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኩነታት ኤርትራ ገምጊሙ ዋሕስ ናይ ህዝቢ ህዝቢ ሙዃኑ ተገንዚቡ ኩሉ ኤርትራዊ ከሳትፍ ዝኽእል ናይ ቃልሲ መስመር ንምሕንጻጽ፣ ንነብሱ አሕቂቑ ሰፊሕ ህዝብዊ ሰረት ዘለዎ ሓዱሽ ሰልፊ ንክምስረት ብሻዱሻይ ጉባኤኡ ኣቢሉ ዘሕለፎ ተባዕ ውሳኔ ወሰን ዘይብሉ ኣድናቆተይ እንዳገለጽኩ ንባላት ሰውራዊ ባይቶ ክብርን ሞጎስን ይሃብኩም እብል። ብፍላይ ካኣ ነቶም ኩሉ ውልቃዊ ዋኒኖም ገዲፎም ከይታሓለሉ ነቲ ውድብ ዝመርሑ ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቅርበሎም እፈቱ። ኣብ መጨረሻ፣ ኣባላት ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ንስለቲ ዘካየድዎን ዘካይድዎ ዘለዉን ዘይታሓለለ ቀጻሊ ጻዕሪ ኣድናቆተይ እንዳገለጽኩ ተወፋይነትኩም ቀጻሊ ከምዝኸውን ጥርጥር የብለይን እብል። ነታ እንፈትዋ ኤርትራ ሃገርናን ነቲ እንፈትዎ ህዝብና ዘርብሕ ሱር-ነቀል ልውጢ ዝሕላገቱ ሓዱሽ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ምምስራት በጺሕና ኣለና’ሞ እንኳዕ ኣብዙይ ኣብጻሓና ክብል ኣፍቅዱለይ።
መእተዊ፦
እዚ ዋዕላ ኢዙይ ንምምስራት ሓዱሽ ሰልፊ ዘድልዩ ኣገደስቲ ነጥብታት ንምዝታይ ብሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ፣ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፣ ዝተወደበ ኢዩ። ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ካብ ዝምስረት ድሮ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣገደስቲ ዕማማት’ካኣ ዓሚሙ ኣሎ። ቅድሚ ኣብቲ ዝርዝር ዕማማት ምእታውና ግን፣ ንምንታይ ሓድሽ ሰልፊ ምምስራት ከ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣድላዪ እመስለኒ።
ንታሪኽ ንዳሓር ምልስ ኢልና እንተራኣና፣ ሰውራ ኤርትራ ብቡዙሕ ሓርጎጽጎጽ ዝሓለፈ፣ ሰላሳ-ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ጸላኢ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እንተላይ ቡዙሕ ሕድሕዳዊ ምትፍናን፣ ምውንጅጃል፣ ካባኡ ሓሊፉ’ውን ሕድሕዳዊ ውግኣት ዘሕለፈ ምኳኑ ኢና ንርዳእ። እዚ ታሪኽ ኡዙይ ብጉቡእ ዘተሰነደ ጥራሕ ዘኮነስ ኮነ ኢልካ’ውን ዝተቐብረ ቡዙሕ ከምዘሎ ዝሰሓት ሓቂ ኣይኮነን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ቃልሲ ኢዩ። ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ዝሓቐቑ ቡዙሓት ከምዝኾኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ንሳቶም ግባኦም ፈጺሞም ሓሊፎም፣ ባህጎምን ትምኒቶምን ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተን። ንታሪኾም ክቐብሩ፣ መጻኢ ወለዶ ታሪኾም ከይፈልጥ ለይትን መዓልትን ዝጽዕቱ ሓይልታት ከምዘለዉ ክስሓት የብሉን።
ብመሰረቱ ናጽነት (ካብ ባዕዳዊ መግዛኢቲ ነጻ ሙዃን) መበገሲ’ምበር ናይ መወዳእታ ዓላማ ኣይነበረን፣ መበገሲ ናይ ሓራ ኤርትራ፣ ምዕብልቲ ኤርትራ፣ ሕጊ ዝኽበረላ ኤርትራ፣ ህዝባ መሰል ምዝራብ፣ መሰል ምጽሓፍ፡ መሰል ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ፣ መሰል መጻኢኡ ናይ ምውሳን፣ መሰል መንግስቲ ብነጻ ናይ ምቕያር፣ መሰል ቑጠባዊ ምዕባሌ፣ መሰል ካብ ሕማም ካብ ድንቁርና ናጻ ዝኾነላ፡ መሰል ብባህላውን ተክኖሎጂካውን ምዕባሌ ምዕጣቕ ዝኽበረላ ሃገር ኢዩ ነይሩ። ናጽነት ነዚ ንምግባር ሙቹእ ባይታ ዝፈጥር ናይ መጀመሪያ ኩነት ኢዩ። ስለዝኮነ ካኣ ድሕሪ ናጽነት ኩሉ ሃገራዊ አእጃሙ ንምብርካት ኣሳታፊ መድረኽ ይጽበ ነበረ።
ዝነበር ትጽቢት፦
ብቐጥታ ድሕሪ ናጽነት ሃገራዊ ናይ ዕርቂ ጉባኤ (National Reconciliation Conference) ክጽዋዕ ነይርዎ። ንኹሉ ሃገራዊ ዘሳትፍ ጉባኤ ኮይኑ፡ ኢቲ ጉባኤ ጊዝያዊ መንግስቲ የቑውም። ጊዝያዊ መንግስቲ ካኣ ብመሰጋገሪ መድረኽ ሓሊፉ ቖዋሚ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ቡዙሑነት ዝተመርኾሰ ቑዋማዊ መንግስቲ (Constitutional Government) ዝቖመሉ ኩነት ይፈጥር። እቲ ዝነበረ ናይ ናጽነት ጽምኣትን እቲ ዝነበረ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ህንጡይነትን ኣብ ግምት የእቲኻ፣ እዚ ኩነታት ኢዙይ ተፈጢሩ ነይሩ እንተዝኸውን ሎሚ ኤርትራ ኣበይ ክትበጽሕ ትኽእል ምንባራ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
ብግብሪ ግን እንታይ ተገብረ፦
እቲ ዝነበረ ትጽቢታት ብሰንኪ ኢሳያስን ሰዓብቱን ኩውን ክኾውን ኣይካኣለን። ኢሳያስ ይትረፍ ዶ ብዓላማ ዘይሳማምዕዎ ንቶም ኣብ ጎድኑ ኮይኖም ምእንቲ ህዝቦም ዝተቓለሱ’ውን እንዳኣጥፈአ ዝመጸ ሰብ ስለዝነበረ፡ ብሕግን ስርዓትን እትማሓደር ኤርትራ ክትመጽእ ኣይድሌቱን ስለዝነበረ፡ ነዚ ሙቹእ ኩነታት ንከይፍጠር ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ጺዒሩ ኢዩ። ነቶም ሂወቶም ንምኽፋል ዕድሚኦም ሙሉእ ኣብ በረኻ ከርተት ዝበሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ ዓዲ ኮይኖም ቃልሶም ዝገበሩ’ሞ ሓንጎፋይ ኢሎም ዝተቐበልዎ፣ ነቲ እሱ ገባር ዝብሎ ህዝቢ፣ ኤርትራውያን’ውን ካብ ምህናጽ ዓዲ ከምዘልግሱ ገይርዎም ኢዩ።
ዳርጋ ኩሉ ሰብ እቲ ዝሓለፈ ሓርጎጽጎጽ ንድሕሪት ገዲፉ (ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይሰዶ፡ ኣብ ሩባ ዘሎ’ካኣ ዉሒጅ ይሰዶ ኢሉ) ንቅድሚት ክጓዓዝ ኣብዝተበገሰሉ ጊዜ፡ ኢሳያስን ሰዓብቱን ስራሕ ምብታንን ምፍልላይን ቀጺሎሞ። ንምጥቃስ ዝኣክል፦
ተቓውሞ ዝባሃል የልቦን (ናይ ተቓውሞ ሓሸውየ ኣይነተኣናግድን ኢና)፣ ብጀካ ኣነ ካልእ ነዚ ዓዲ ዘምጽአ ሓይሊ የልቦን ብምባል ነቲ ዝድለ ዝነበረ ሃገራዊ ዕርቂ (National Reconciliation) ንኸካይድ ፍቕደኛ ኣይነበረን። ብዘይቡኡ ዓዲ ኣትዮም ክሰርሑ ድልዋት ዋላ ንዝነበሩ’ውን ዓዲ ከይኣትዉ ከልኪሉ። ብወታሃደራዊ ሓይሊ ገይሩ ነቶም ጸዋዒት ሃገራዊ ዕርቂ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሓይልታት’ውን ከጥፎኦም ፈቲኑ። ስለዝኾነ’ካኣ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ፍልይ ዝበለ መደብ ኣለና ኢሎም ብሰላም ቃልሶም ክቕጽሉ ወሲኖም ዝነበሩ ሓይልታት እዚ ማኣዲ ስለዝተኸልከሉ ቃልሶም ካብ ዓዲ ወጻኢ ኮይኖም ክቕጽልዎ ተገዲዶም።ኣብዙይ ኩሉ እቲ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ ናጽነት ዝዎሰዱዎ ተበግሶታት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይካኣል ኢዩ።
ህዝቢ ካብ ማኣዲ ህንጸት ሃገር ተኸልኪሉ። ኢሳያስ ገና እግሩ ከይኣተወ ሓላፍነት ከም መካሓሓሲ (Position as a Compensation)ብዝብል ፖሊሲ ኢዩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ነቲ ዝዋሃበካ ሓላፍነት ዝበቅዕ ክእለት ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ተጋዳላይ ስለዝኾንካ እቲ ሓላፍነት ይዋሃበካ። ብሰንኪ’ዙይ ቡዙሓት ዓቅምን ክእለትን ዘይብሎም ኣብ ሓላፍነት ተመዲቦም ነቲ ኪኢላ እርትራዊ ኣይሰርሑ ኣየስርሑ ኮይኖም ቡዙሓት ኤርትራውያን ክኢላታት በብቁሩብ ካብቲ መንግስታዊ ስርሓት ከምዘልግሱ ተገይሩ። እቲ ብግሉ ኣብ ዓዲ ምህናጽ ዝተዋፈረ ዜጋ ካኣ በብቁሩብ ከምዘልግስ ተገይሩ። ኣብዙይ፡ ኣብርእሲ ነጋዶን ናይ ግሊ ኣውፈርቲ ዝተገብረ ዘመተ ክጥቀስ ይካኣል።
ኣብ ርእሲ ትምህርትን ናይ ትምህርቲ ትካላትን ዝተገብረ ዘመተ’ውን ቀሊል ኣይኮነን። መንእሰይ ብዓይኒ ጸጥታ ተጠሚቱ ንምድንቋሩ ዝተገብረ ዘመት ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዝፈጥሮ ሳዕቤናት ደረት የብሉን። ዩንቨርሲቲ ተዓጽዩ፡ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ኤርትራ ኣብ ዓለም ቁቡል ዝኾነ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ የብላን። ብሓፈሽኡ ትምህርትን ናይ ትምህርቲ ደሌትን ተዳኺሙ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ብፍልጠትን ተክኖሎጂን ዝዕጠቕ ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምራሓሉ ጊዜ ኢዩ። ካብዚ ኩነታት እዙይ ዝኸስብ እንተሃልዩ ኢሰያስ ጥራሕ ኢዩ።
ካብ ውሽጢ ዝተቓላቀለ ለውጢ፡ ካብ ውሽጡ ንዝቓላቀሉ ንለውጢ ዝቃለሱ ባእታት ካብ ምሕቃቅ ኢሳያስ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ክሳብ ሕጂ ዝተገብሩ ተበግሶታት ጭቡጥ ዉጽኢት ኣይተረኽቦምን። ይኩን’ምበር ካብ ውሽጢ ንለውጢ ዝቃለሱ ከምዘለዉ ምግንዛብ’ውን ኣገዳሲ ኢዩ።
ህዝቢ ምስላይ፡ ህዝቢ ኣብ ነንሕዲኡ መታን ከይታኣማመን ስለያ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ምክያድ ሓደ ካብቶም ኣገደስትን ዝበዝሐ ባጀት ዝስልዓሎም ስርሓት ናይዚ ስርዓት ኢዩ።
Diaspora Illusion: እቲ ቀንዲ ምኽንያት እኳ ረብሓ እንድዩ፣ እቲ ስርዓት ብዝገብሮሎም ፍሉይ ኣራኣእያ ዓይኖም ዓዊሩ ንህዝቢ እርትራ ክፈርዱ ዝውዕሉ ቡዙሓት ኢዮም። ዝያዳ ሰቦም ሓለይቲን ተሓለቅትን ይመስሉ፡ ደቆም ኣብ ዝበለጸ ቤ/ትምህርቲ እንዳኣምሃሩ ነቲ ትምህርቲ ተሓሪምዎ ንስደትን ንሽግርን ተፈሪዱ ዘሎ መንእሰይ ካኣ ንምንታይ ካብ ዓዲ ይወጽእ ኢሎም ክፈርዱ ይውዕሉ። እዞም ሰባት እዚኦምን እቲ ስርዓትን ናይ ስምባዮቲክ (symbiotic) ዝምድና ኢዩ ዘለዎም።
ብወገን ተቓዉሞ ዘሎ ኩነታት፡ ክሳብ ሕጂ ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ዝድለ ዞሎ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእሉ መሰረታውያን ቅድም-ኩነት’ውን ከጣጥሓ ኣይካኣላን። ተቓውሞን እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ካብ ሓደ ተሞክሮ ዝቦቘሉ ከምሙዃኖም መጠን፡ ተቓውሞ ሓይልታት ክሳብ ዘይተሓደሱ ካብቲ ስርዓት ዝሓሸ ስራሓት ክሰርሑ ከምዘይክእሉ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኮነ’ካኣ ህዝቢ ኤርትራ መብጻዓ ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ ተጠሊሙ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ትርከብ ኣላ።
ኣብዚ ጊዜ እዙይ እንታይ ዳኣ እንተተገብረ ይሓይሽ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን ይኾውን። እቲ መልሲ፡ከምቲ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ ኣቦ ወንበር ኮሚስዮን፡ዝበሎ ኣወንታዊ ሰውራ (Positive Revolution)ምክያድ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ንሐድሕዱ ኣታዓሪቑን ጠርኒፉን ናብ ዓወት ዘብጽሕ ሓዱሽ ጥርናፌን ምንቅስቓስን የድሊ ኣሎ። ከምዙይ ስለዝኮነ ኢዩ ካኣ ሓደ ሰፊሕ-ህዝባዊ ሰረት ዘሎዎ ሰልፊ ምምስራት ዘድሊ። ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ነዚ ዕማም እዙይ ብሰፊሑ ተታሒዝዎ ይርከብ።
ፍልጠት (knowledge)ዝዕጣቐቱ፡ ፍትሒ (justice) ዝሕላገቱ፡ ለውጢ (CHANGE) ዝቛንቋኡ፡ ምትዕራቕ (reconciliation) ዝወስትኡ፡ ኣወንታዊ ሰውራ(positive revolution) ዝስሙ ዕሸል ኣብ ማህጸን ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ተጠኒሱ ኣሎ።
ሰልፍና እንታይ ዓይነት ሰልፊ ኢዩ ክኾውን ንጽበዮ፧
ሰልፍና ንክውንነት ኤርትራን ዓለምናን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ካኣ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ዝሓለፈ ገድላዊ ቃልሲ ዝፈጠሮ ስምብራት ንምፍዋስ ኩለንተናዊ ለውጢ የድሊ ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ብሂል ምስትብሃሉ ኣገዳሲ ኢዩ፡
It is not the strongest of the species that survive, nor is it the most intelligent, but the one most responsive to CHANGE— Charles Darwin.
ለውጢ’ካኣ ካብ ነብስኻ ኢዩ ዝጅምር። ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ነዞም ዝስዕቡ እምነ-ኹርናዕ ኣትሓሳስባታት መሰረት ብምግባር ኢዩ ሰፊሕ ህዝባዊ-ሰረት ዘሎዎ ሓዱሽ ሰልፊ ንምምስራት ዝጽዕት ዘሎ።
ብዘበነ-ገድሊ ኣታሓሕስባ ህልዊ ሽግራት ክንፈትሕ ኣይንኽእልን ኢና። ንናጽነት ዝተገብረ ቃልስን መስዋእትነትን ዝተርኽበ ዓወትን ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፡ እቲ ነቲ ዝነበረ ሽግራት ንምፍታሕ ዝተዋደደ ኣሰራርዓ ኣእምሮ (mind-set) ክቅየር ኣሎዎ።
ጀብሃ-ሻዕብያ ዝብል ፍልልይ መድረኹ ዝሐለፎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንህልው ኩነታት እርትራ ዝገልጽ’ውን ኣይኮነን። ሎሚ ዲሞክራስያዊ/ዘይዲሞክራስያዊ፡ ማለት ንኤርትራዊ ዜጋ ንምሕራር ዝቃለስን ብኣንጻሩን፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ (justice) ንምምጻእ ዝቃለስን ብኣንጻሩን ተባሂሉ ክጥመት ኣሎዎ። ስለዝኮነ’ካኣ ኣብ ሞንጎ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ምትዕራቕ (reconciliation) ክህሉ ኣሎዎ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልው ሕብረተ-ሰብኣዊ ቅርጻ ብጉቡእ ምግምጋሙ የድሊ። ንኣብነት
Þ ክንደይ ሚእታዊት ካብ ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ኢዮም፧
Þ ንደይ ሚእታዊት ካብ እርትራውያን ከ ትሕቲ ኣርብዓ ዝዕድምኦም ይኾኑ፧
Þ ፖለቲካ ኤርትራ ከ መን ይቖጻጸሮ ኣሎ፧
ብሓጺሩ፡ ሕብረተ-ሰብኣዊ ቅርጻ ኤርትራ ብመንእሰይ ዝተዓብለለ ኢዩ። ብገምጋም ካብ 40-50% ድህሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተወልደ፡ ዳርጋ ልዕሊ 80% ካብ 40 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ኢዮም። ስለዚ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝኮነ ተሞክሮ ዘይብሉ ብዛዕባ ትክክለኛ ታሪክ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ውሑድ ኣፍልጦ ዘሎዎ ወይ’ካኣ ዝተማዛብዐ ሓበሬታ ዘሎዎ ኢዩ። ተሳትፎ ኢዚ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ህልው ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ቱሑት ኮይኑ ፖለቲካ ኤርትራ በቶም ካብ 60 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ገዳይም ተቃለስቲ ዝተዓብለለ ኢዩ። ከምዙይ ዓይነት ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ቀጻልነቱ ውሑስ ጥራሕ ዘይምኻኑ ዘይኮነስ 80% ካብ ህዝቢ ዘየሳትፍ ቃልሲ ክዕወት’ውን ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዝኮነ’ካኣ ሰልፍና ንተራ መንእሰያት ዘዕዝዝን መሪሕ ተራ ዝጻወትሉ መንገዲ ዘጣጥሕ ክኾውን ኣሎዎ። ኢዚ ዘሎ መንእሰይ ዝያዳ ዝተማህረን ነቲ ቃልሲ መሪሑ ናብ ሰላማዊ ለውጢ ከብጽሕ ዝኽእል ሓይሊ ምኻኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ።
ዘለናዮ ዘበን ዘበነ-ተክኖሎጅያዊ ምዕባሌ ስለዝኮነ ቦታን ጊዜን ብዘየገድስ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ብቐሊል ክብጻሓሉ ዝካኣል ጊዜ ምኻኑ ምግንዛብ የድሊ። ስለዝኮነ’ካኣ ሰልፍና ተራ ፍልጠትን (knowledge)ተራ መራኸቢ ቡዙሃን ብጉቡእ ተገንዚቡ ኣብ ጥቕሚ ዘውዕል ሰልፊ ክኸውን ኣሎዎ። ሎሚ ዝድለ ዘሎ ንህዝቢ ዝጠቅም ሓሳብ (idea) ምምንጫውን ምዝርጋሕን ኢዩ። ሓሳብካ ኣብ ናይ ሓሳብ ዕዳጋ ብውድድር ክትሸይጥ ኣሎካ። ሓሳብካ ንህዝቢ ዝጠቅም እንተኮይኑ ገዛኢ (ዕዳጋ) ትረክብ ትስስንካኣ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ብሕጊ ነጻ ዕዳጋ ካብ ዕዳጋ ትግለል (ዕዳጋ ስለዘይትረክብ ምንቅስቓስካ ይመውት)።
ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዝደሊ ብጉቡእ ምልላዩ። ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ኢዩ ዝደሊ። ፍትሒ (justice)- ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ቁጠባዊ ፍትሒ፡ ፖለቲካዊ ፍትሒ፡ ኮታ ኩሉ እቲ ኤርትራዊ ዜጋ ተሓሪምዎ ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያዊን መሰላት- ምኽባር እቲ ህጹጽ ጠለባት ህዝቢ ስለዝኮነ ሰልፍና ነዙይ ንምትግባር ዘኽእሎ ኣገባብ ኣቀላልሳ ከዋድድ ኣሎዎ። ነዙይ ንምትግባር ሰልፍና ኣብ ግምት ከእትዎም ዘሎዎ ሓቅታት ኣለዉ።
ሀ) ህዝቢ እርትራ ዝተኣትወሉ መብጽዓ ተጠሊሙ ስለዝኾነ (ዝቐደመ’ውን ኣድገይ ኣጥፊኡለይ ዝዓይነቱ ኮይንዎ) ንለውጢ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርእየሉ ጊዜ ምኻኑ ብጉቡእ ምስትውዓል የድሊ። እታ እንኮ ጊዜ መንግስቲ ዝለወጠላ (1991) ኢያ፡ ንሳ’ካኣ ተጠሊሙ ስለዝኾነ ሕጂ ነዓ ተቓለስ መንግስቲ ክንልውጠልካ ኢና እንተበልካዮ ቀልጢፉ ክቕበለካ ኣይክእልን ኢዩ።
ለ) ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ዝምድና፡ ካብ ታሪኽ ዝተወርሰ ምጥርጣራት (mistrust) ኣብ ርእሲ ኢትዮጵያ ስለዘሎ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ብሓገዝ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኴንካ ዝግበር ናይ ለውጢ ቃልሲ ምድጋፍ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምጥባቕን ምድጋፍን ከምዝመርጹ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዙይ ክንጸር ዘሎዎ ጕዳይ፡ ጽቡቕ ድሌት (good intension) ምህላው ዘይኮነስ ብኸመይ ህዝቢ ኤርትራ ይርድኦ (perception) ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዝኾነ’ካኣ ሰልፍና ምስ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ዝምድና ኣብ ርሑቕን ቀረባን ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ብንጹርን ብዘየማትእን መልክዑ ከቐምጦ ይግባእ።
ሐ) ናይ ዶብ ጕዳይ፡ ካብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ዝኸሰበ ሰብ እንድሕርዳኣ ኣሎ ኮይኑ ኢሳያስ ጥራሕ ኢዩ። ዶብ ቀጻሊ ናይ መማሳመሲ ክገብሮ ኪኢሉ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዶብ ጅሆ ኮይኑ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ከይተፈትሐ ዝግበር የለን እንዳተባህለ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ኣብ ትሕቲ ራዕድን ሽበራን ዲክታተርያዊ ስርዓት ክነብር ተገዲዱ ኣሎ። ስለዝኾነ ሰልፍና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ዶብ ጉዳይ ዘሎዎ ኣራኣእያ ብንጹር ተገንዚቡ፡ ንናይ ርሑቕን ቐረባን ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ነቲ ናይ ዶብ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዘውዕለሉ ናይ ፖሊሲ ኣቕጫጫ (policy stance and direction) ብንጹር ከቐምጥ ኣሎዎ።
መ) ኩነታት መንእሰያት፡ ሰልፍና መንእሰይ እቲ ቀንዲ ኣዋዳድን ኣንቓሳቐስን መራሕን ናይ ለውጢ ሓይሊ ምኻኑ ክግንዘብ ኣሎዎ። ይኹን’ምበር ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ተቓውሞ ተጠርኒፉ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ክነግስ ዝገብሮ ተሳትፎ ዉሑድ ምኻኑ ኢና ንግንዘብ። ዋላ እቶም ካብ ማእሰርትን መግረፍትን ህግደፍ ኣምሊጦም ንስደት ዘምርሑ መንእሰያት ሓንሳብ ካብ ዓዲ ምስወጹ ምስ ህግደፍ ክታዓረቑ ኢኻ ትርኢ። ንምንታይ ግን፧ ነዚ ኩነታት እዙይ ንምርዳእ፡
ባህርያት ህግደፍ ምርዳእ፡ ህግደፍ ናይ ፖሊቲካ ውድብ ኢዩ ምባል ንኽውንነት ህግደፍ ዝገልጽ ኣይኮነን። ህግደፍ ሓደ ሰፊሕ ዝርገሐን ምትእስሳርን ዘሎዎ ናይ ሸቐጥ ጉጅለ ኢዩ ክባሃል ይክኣል።ሓለፍቲ እዚ ጉጅለ እዙይ ናይ መንግስቲ ሓለፍቲ ስለዝኾኑ፡ ዝዀነ ዝሕንጸጽ ፖሊሲ ብመንጽር ቑጠባዊ ረብሓ ህግደፍ ኢዩ ዝጥመት።መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንተሎ ብዘይዶሞዝ ኣብ ናይ ህግደፍ ትካላት (መብዛሕትኡ ናይ ቑጠባ ኣውታር ኣብ ኤርትራ ህግደፍ ኢዩ ዝቖጻጸሮ) ብሃገራዊ ኣገልግሎት ሽፋን ክሰርሕ ይግደድ። ካብ ዓዲ እንተወጸ ካኣ ንህግደፍ ብቐጻሊ ዘወፍየሉ ኩነታት ይፍጠር። ህግደፍ ነዚ ንምትግባር መንእሰያት ኣብ ዓዲ ከለዉ ክረኽብዎ ዘይክእሉ ኣገልግሎት ከም ፓስፖርት ምውጻእ ከይተረፈ ካብ ዓዲ ምስወጹ ይገብረሎም። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናይ ባህላዊ ጉጅለታት በብዓዱ ኣብ ወጻኢ እንዳላኣኹ ነቲ ናይ ዓዲ ናፍቖትን ጽምኣትን ዘሎዎ መንእሰይ ኤርትራ እንዳዘናግዑ ናይ ገንዘብ ምንጪ ይገብርዎ። ተቓውሞ ውድባት ነዚ ጠለብ መንእሰይ ክሳብ ዘየማላኣ፡ መንእሰይ ብብዝሒ ናብ ናይ ህግደፍ ባህላዊ ጸወታን ምትእክካብን ክኸይድ እንተተራእየ ዘገርም ኣይኮነን።
ጽልዋታት ኣብ ደገ ዘለዉ ናይ ህግደፍ ሰዓብቲ፡ ካብ ሕማቕ ዝገብሩኻስ ሕማቕ ዝምህሩኻ እንድዩ፡ ኣብ ደገ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ ካብቲ ብረብሓ ዓይኖም ዓዊሮም ንጨቛኒ ስርዓት ብጭፍን ምድጋፍ ዝኸፍአ ነቲ ሕጂ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ጌጋ ኣብነት ምዃኖም ኢዩ። ገና ንገና መታን ንዓዲ ክኸይድን መታን ንብረት ኣብ ዓዲ ከጥርን እንዳተባህለ መንእሰያት ካብ ነቲ ስርዓት ምቑዋም ምስኡ ምትዕራቕ ይሕሸና ዝብልሉ ኩነታት ተፈጢሩ። ብመሰረቱ ንዓዲ ምኻድ ይኹን ኣብ ዓዲ ንብረት ምጥራይ እቲ ዘይግፈፍ መሰረታዊ መሰል ኤርትራዊ ክኾውን ዝግቦኦ፡ እዚ መሰል እዙይ ጥራሕ ብጃንዳ ህግደፍ ዝምጽወት ህያብ ተገይሩ ንኽውሰድ ዝገበሩ እዞም ኣብ ደገ ዘልዉ ደገፍቲ ህግደፍ ኢዮም።
ረ) ኩነታት ተቓውሞ፡ ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ ነቲ ጭቖና ህግደፍ መሪርዎ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ጠለባቱ ኣማሊአን ኣብ ጎድኒ ተቓውሞ ከሰልፎኦ ኣይካኣላን። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ዝያዳ ዝተማህረን ዝያድ ንለውጢ ድሉው ዝዀነ ይኹን’ምበር ውሽጣዊ ኩነታት መብዛሕታን ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ ነዙይ ሙቹኣት ኣይኮናን። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ’ውን እንተኮነ ኩነታት ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ ቡዙሕ ኣፍልጦ ዘይነበሮን ኣፍልጦ ነይርዎ እንተኾይኑ’ውን ዝርካቡ ጉጉይን ንፕሮፓጋንዳ ህግደፍ መሳርሒ ተባሂሉ ዝተቐመመ መርዚ ጥራሕ ኢዩ። ብተወሳኺ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዝኣተዉ መራሕቲ ህግደፍ ዝኣተውዎ መብጽዓ ጠሊሞም ንመንእሰያት ኤርትራ ከም ልሙሳትን ተበልጽትን ቆጺሮም ብትምህርቲ ኣደንቑርካ ንምግዘኦም ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘልዉን ቀጻሊ ጻዕርታት ብምዝካር፡ ሕጂ ከ ነዚኦም መን ይኣምኖም ጽባሕ እንተጠለሙና ብምባል ኣብ ተቓውሞ ውድባት ተጠርኒፎም ኣንጻር ጨቛኒ ስርዓት ናይ ምቅላስ ተኽእሎ ትሑት ገይርዎ። ስለዝኮነካኣ እቲ ዝርካቡ ናይ ተቓውሞ ምንቕስቓስ መንእሰያት ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት (civic societies) ተሓጺሩ ይርከብ።
እዚ ወድዓዊ ኩነታት እዙይ ኣብ ግምት ብምእታው ሰልፍና ንኩነታት መንእሰያት ፍሉይ ቖላሕታ ክገብረሉ ይግባእ። ንመንእሰያት ፍሉይ ቦታ ዝህብ ናይ ፖሊሲ ሕንጻጻት ኣብ ናይ ፖሊቲካ ፕሮግራማቱ ይኹን ኣብ ናይ ሰልፊ ቅርጻ ብንጹር ከቐምጦ አለዎ።
ሰ) ኩነታት ዓለምናን ጎረባብትናን፡ ገድሊ ኤርትራ ብብረት ተዓዊቱ (ናጽነት ኣምጺኡ)። ከዕውትዎ ዝኸኣሉ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ብጉቡእ ምምዛኖም የድሊ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ውሽጣዊ ኩነታት ይኹን ኣብ ዓለምና ናይ ሾሻሊስት ስርዓት ምፍራስ ንምዕዋት ገድሊ ኤርትራ እንታይ ጽልዋ ነይርዎ ኢልካ ምግምጋሙ ኣድላዪ ካብ ሙዃን ሓሊፉ እዚ ኩነታት እዙይ ከ ሕጂ ኣሎ ዲዩ ኢልካ ምሕታት’ውን ኣገዳሲ ኢዩ። ብተወሳኺ ውጺኢቱ ብዓይኒ ምሕራር ኤርትራያዊ ዜጋ ክረአ እንከሎ፡ ጨቛኒ ስርዓት ፈጢሩ ሕጂ ከ ከምኡ ኩነታት ከይፈጥር እንታይ ውሕስነት ኣሎ ዝብል ስክፍታት ምህላዉ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ጎነጻዊ ዶ ወይስ ሰላማዊ ኣገባብ ኣቐላልሳ ብጉቡእ ምምዛኑ ከምዘድሊ ኢዩ ዘመልክት።
ቀ) ኣብ ኤርትራ ተዋዲዱ ዝጸድቐ ግን ዘይተተግበረ ሕገ-መንግስቲ (Constitution) ኣሎ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘይተተግበረ ሕገ-መንግስቲ ከም ናቱ ከምዝርእዮን ንትግባሬኡ ካኣ ዝጽበ ዘሎ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ኢዩ። ናይ ዶብ ጉዳይ ሓደ ካብቶም ዝወሃቡ ምስምሳት ናይ ዘይተተግበረሉ ምክንያታት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ እንድሕርዳኣ ከምዙይ ዓይነት ርድኢት ሃልይዎ፡ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ግብሪ ይውዓል ኢልካ ምቕላስ ዶ ይሓይሽ ዋላስ ነዚ ዘዋድዶ ሕገ-መንግስቲ ዘየተተግበረ መንግስቲ ብብረት ምልዋጥ ዝብሉ ሕቶታት ምምላሾም ኣገዳሲ ኢዩ።
በ) ሕቶ ባንዴራ፡ እታ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ዝነበረት(ሰማያዊት ዝሕብራ) ባንዴራ ወይስ እታ ድሕሪ ናጽነት ዝመጸት ባንዴራ፡ ኣየኒአን ኢየን ናይ ኤርትራ ባንዴራ፧ እንድሕርዳኣ ኤርትራ ልዑላዊት (sovereign) ሃገር ኢያ እልና ንኣምን ኴይና እቲ ዝነበረ ናይ ቀደም ባንዴራኣ በዚ ሕጂ ዘሎ ባንዴራ ተለዊጡ ኢያ ኣብ ዓለም ልዑላዊት ሃገር ኮይና። ብተወሳኺ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እንድሕርዳኣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ወይ ካኣ ትሕቲ 40 ዓመት ዕድመ ኮይኑ ምስታ ናይ ቀደም ባንዴራ ዘሎዎ ምትእስሳር ውሑድ ኢዩ ክኾውን። ስለዝኮነ ካኣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ሕጂ ዘላ ባንዴራ ኢዩ ከም ባንዴራ ኤርትራ ገይሩ ዝወስዳ። ናይ ህዝቢ ቃልሲ ከተካይድ እንድሕርዳኣ ኮይንካ ኣየነይቲ ባንዴራ ምልዓል ዝያዳ ኣድማዒ ይኾውን ኢልካ ምምላሹ ኣገዳሲ ኢዩ።
ነዚ ኩሉ ሓቅታት እዙይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ኣቐላልሳ (ሰላማዊ ወይስ ጎንጻዊ) ክንገብር ኣለና ዝብል ሕቶ ሰልፍና ብቕዳምነት ክምልሶ ዘሎዎ ጉዳይ ኢዩ። ነዚ ጉድይ እዙይ ሰልፍና ኣብ መስራቲ ጉባአኡ ክካታዓሉን ውሳኔ ክህበሉን ትጽቢት ይግበረሉ።
ክሳብ ሕጂ ዝታዓሙ ስርሓት፦
ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ ካብ ዝምስረተሉ ጊዜ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ቡዙሓት ስርሓት ዓሚሙ ኣሎ። ንምጥቃስ ዝኣክል፡ 1) ንድፊ ፖሊቲካዊ ፕሮግራም ኣዳልዪ ንክትዕ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ፡ 2)ንድፊ ሰልፋዊ-ቅርጻ ኣዳልዪ፡ 3)ናይ ከባቢ ኣሃዱታት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም ተመስሪተን ዕማማተን ከምዝጅምራ ተገይሩ፡ 4)ቡዙሓት ናይ ራድዮን ፓልቶክን ቃል-መጠይቃትን ብቡዙሓት ኣባላት ኮሚስዮን ተኻይዶም፡ 5) ቡዙሓት ሕጹያት ሰልፊ ከምዝምዝገቡ ተገይሩ፡ 6)ዋዕላ ቅድመ-ምምስራት ሰልፊ ኣብ ኣውሮጳ ተኻይዱ፡ 7) ናይ ጉባእ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ቖይማ ስራሓታ ከምትጅምር ተገይሩ።
ኢዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ኣካል ናይቶም ኣብ ቡዙሓት ዞባታት ዓለም ንክግበሩ ዝተመደቡ ቅድመ-ምምስራት ሰልፊ ዋዕላታት ኢዩ። እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብኪኢላታት ምስቀረቡ ናይ ሕቶን መልስን፡ ክትዕን ሓሳብን ለበዋን ምሃብ ዕድላ ንተሳተፍቲ ዋዕላ ክወሃብ ኢዩ።
v ሕጊ ኣኼባን ምምሕዳሩን፣ ብባይሩ ስዩም (ኣባል ኮሚስዮን)
v ግደ መንእሰያት ኣብ ሓዱሽ ቃልሲ፣ ብመንእሰን ዮውሃንስ
v ዕርቅን ኣፈታትሓ ግርጭታትን፣ ብኣማኑኤል ሃብተ (ኣባል ኮሚስዮን)
v ናብ ሰልፊ ኣብ ምስግጋር ዘጋጥሙ ብድሆታትን ኣግጣጥምኡን፣ ብቴድሮስ ብርሃነ (ኣባል ኮሚስዮን)
v እንታይ ዓይነት ሰልፊ ኢና እነቕውም፧ ብላይነ ካሕሳይ (ኣባል ኮሚስዮን)
ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኹሙኒ የቐንየለይ፡፡
ዝክሪን ሞጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!
ክንዕወት ኢና!
ገብረመስቀል ሃብተዮናስ (ዶ/ር)
ም. ኣቦ ወንበር ሓባራዊ ኮሚስዮን ምምስራት ሰልፊ
ሰልፍና ኣገዳሲ መሰጋገሪ ድንድል’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ምስቲ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት እቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምቲ ዝድለ ዘይምስጓሙ ንኩላትና ብሩህ’ዩ። ነዚ ስኽፍታዚ ንምውጋድ ድማ ዘይተሓለለ ቃልሲ ይካየድ ኣሎ። ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት ክበሃል እንከሎ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣበሃህላ’ዩ። ምስዚ ኩነታትና ከነዛምዶ እንከለና፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ንህዝብና ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ኣሲርዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እንደጋና ጸረ-ህዝቢ ቀይድታቱ እናትረረ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ” እዚ ስርዓት’ዚ ኣንጻርና እምበር ወካሊና ኣይኮነን ስለዚ ይወገደልና ” ዝብል ናይ ውጹዓት ድምጽን መጸዋዕታን እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ ማለትና እዩ። ወረ ኣብ ገለገል ኣጋጣምስ ከምቲ ” ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ ” ዝበሃል ምስላ ወለድና ብሰንኪ ሕሰም ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ካብቲ ንናቱ ናይ ለውጢ ረብሓ ዝተሰለፈ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ’ውን ዝፈርሓሉ ኣጋጣሚ ይርአ እዩ። ” ንስኻትኩምስ ነታ ልጓም ምስ ሓዝኩም ነቲ ፈረስ ናበይ ገጽኩም ከም ትገርሕዎዶ እንታይ ውሕስነት ኣለና እዩ ” ዝብል ህዝባዊ ብሂል ምስማዕ እውን ዝተለመደ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ እዚ ሕሱም ተግባራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ስንብራት ኮይኑ፡ እቲ መወዳእታ እንታይ ከም ዝመስል ካብቲ መጀመርታ’ውን ምርዳእ ይካኣል ስለዝኾነ፡ እዚ ሕጂ በቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓ ተደሪኹ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ከም ናይ ሎሚ ህግደፍ ከም ዘይከውንስ ብቕንዕና ንዝፈርድ ብዙሕ ምልክታት ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለና። ዝኾነ ኮይኑ ግና መጻኢ ብናይ ሎሚ ናይ ህዝቢ ተሳትፎን ቃልስን ከም ዝውሰን ድማ ምዝንጋዕ ኣየድልን። ስለምንታይ ሎሚ ናይ ዝዘራእካዮ ፍረ ኢኻ ጽባሕ ተሓፍስ። ህዝቢ ድማ ነቲ ይውክለኒ ዝብሎ ናይ ምትብባዕን ነቲ ዘይውክሎ ድማ ናይ ምግናሕ ዘይዕጸፍ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክርስዕ ኣይግበኦን። ስርዓት ህግደፍ ውጽኢት ናይ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ጉድለትን ሸለልትነትን ምዃኑ’ውን ኣይዘንጋዕ ንብል። እቶም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተሰሊፍና ዘለና፡ ክሳብ ሎሚ ከም ትጽቢት ህዝብና ካብ ዘይኮናሉ መሰረታዊ ምኽንያት ናይ ለውጢ ድሌትን ናይ ለውጢ ሓይልን ስለ ዘየብልና ኣይኮነን። መጻኢ ብሩህ ናይ ኤርትራ ከመይ ይምሰል ኣብ ምትንባይ ማለት ናይ ዓወት እስትራተጂ ኣብ ምስኣል ፍልልይ ስለ ዘለና እውን ኣይኮነን። እዚስ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ካብ ኮና ከም ውሁብ ክንቅበሎ ዝግበኣና’ዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ጸገምናስ ነቲ መልክዕናን ብዙሕነታዊ መለለዪናን ስለ ዝኾነ፡ ከነመሓድሮ ዝግበኣና ፍልልያት ከም ዘይፈርስ መፈላለዪ መንደቕ ኣምሲልና ስለ ዝወሰድናዮ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እቲ ክመሓደር ዝግበኦ ግና መርሓሓቒ ኮይኑ ዘሎ ዓለባ ሳሬት ብዙሕ መልከዓት ኣለዎ። ብኹሉ ምዝርዛሩ’ውን የጸግም። ዝተወሰነ ካብኡ ጠቒስካ መፍትሒ ምእማት ግና ይከኣል እዩ። እቲ ኣብዚ ክዝለል ዘየብሉ ኣውንታዊ ነገር እዚ ጸገምና ምዃኑ ኩላትና እንኣምነሉ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ምስ ተረዳዳእና ግና እንተ ዓቕሚ ብምስኣን ወይ ግዳይ ነዊሕ ዘየኽይድ ጉርሒ ብምዃን ፍታሕ ናይ ምምጻእ ቅልጣፈና ክንድቲ ፍታሕ ከም ዘድሊ ምዕጋብና ዘይምዃኑ’ዩ። ርግጽ እዩ ዝጐደለ ነገር ከም ዘሎ ኣሚትካ ”እሞ እንታይ ይገበር? ” ዝብል ሕቶ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ጉዳይ ክብደት ካብ ምሃብ ዝብገስ’ውን እዩ። ነቲ ሕቶ ንምምላስ ብተበግሶ ክሳብ ዘይተሰነየ ግና እቲ ጽቡቕ ትምኒት በይኑ ፋይዳ ኣይህልዎን። ነዚ ተበግሶን ውፉይነትን ክትውንን እምበኣር ቡዙሓት ክትቅበሎም ዝግበኣካ ታሪኻውን እዋናውን ሓቅታት ኣለዉ። ነዞም ሓቅታት ክትቅበል ብዙሕ ናይ ቃልሲ ዋጋ ከም ዘኽፍልን ካብ ብዙሓት ጸበብቲ ዓንኬላት ክትወጽእ ዝሓትትን ምዃኑ እውን ዘይምዝንጋዕ። እዚ ተበግሶ’ዚ ብውልቂ፡ ብጉጅለን ብውድብን ክውሰድ ይእከኣል። ዝያዳ ዘድምዕ ግና ብውድብ ደረጃ ክውሰድ እንከሎ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓቅን ኤርትራዊ ክውንነትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ምስኡ ዘሳኒ መጽናዕትታት ድሕሪ ምክያድ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ክምስርት ብደረጃ ጉባኤ ምውሳኑ ኣብነታዊ ተበግሶ እዩ። ንነብሱ ናብ ሰልፊ ምስግጋር ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ብሓደ ከይንስጉም ጋሪዱና ዝነበረ መጋረጃ ቀንጢጡ ምስ ካልኦት ተመሰሳሊ መጻኢ ራእን ረብሓን ዘለዎም ኤርትራዊ ወገናት ብሓባር ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ’የ ዝምስርት ምባሉ ድማ ነቲ ተበግሶ ታሪኽዊ ይገብሮ። ነዚ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓድሽን ደሞክራሲያውን ምዕራፍ ኣብ ምስግጋር ኣስተዋጸኦ ከበርክት ትጽቢት ዝግበረሉ ምምስራት ሰልፊ ኣብ ሰፊሕን ጥጡሕን ባይታ ምድኳን ምእንቲ ክከኣል እትሰርሕ ነጻ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ምስያሙ ድማ እቲ ተበግሶ ታሪኻዊ ጥራይ ዘይኮነስ ተባዕ’ውን ምዃኑ መስካሪ እዩ። ናይዚ ኮሚሽን ኣባላት እንተላይ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዘይነበሩ ከም ዝሳተፍዎ ምግባሩ ናይቲ ዝምስረት ሰልፊ ሰፊሕ ባህርያት ዝምስክር መርትዖ እዩ። እቲ ኮሚሽን ቀዳማይ ምዕራፍ ዕማሙ ብዓወት ኣሰላሲሉ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ምስግጋሩ ድማ ናይቲ ተበግሶ እዋናውነት ዘራጉድ እዩ። ካብቲ ብሓደ ሰጒምና ዘተኣማምን ናይ ለውጢ ከይንኸውን ዓጊቱና ዝጸንሓ ዘይመሰረታዊ መጋረጃታት ሓደ እቲ ጀብሃ ሻዕቢያ ዝብል ናይ ቃልሲ ታሪኽና መርኣያ እዩ። እዚ ሓደ እዋን ብመልክዕ ክልተ ተሃላለኽቲ ውድባት ተሓኤን ህግሓኤን ዝተጐዓዝናዮ መዋእል፡ ኣካል ታሪኽና ስለ ዝኾነ ኣይንሓኮን። እንተኾነ ናቱ ናይ ምትህልላኽ እሱራት ኮይና ክንነብር ድማ የብልናን። እዚ ማለት ነዚ ሕሉፍ ታሪኻዊ መዋእል ኣብ ምትርጓሙ ዘለና ፍልልይ ከም ዘለዎ ኮይኑ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ግና ብሓባር ካብ ምዕማም ካልእ መዋጸኦ ከም ዘየብልና ክንቅበል ግድነት’ዩ። እዚ ድማ በዚ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። እቲ ዘይተደላዪ መጋረጃ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ኣይኮነን። ካብኡ ንታሕቲ,ው ኣብቲ ሰፊሕ ደንበ ተቓውሞ ብሓባር እናሓንበስካ፡ ዝንጸባረቕ ጸቢብ ውድባዊ ስምዒታት’ውን ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ጸቢብ ስምዒታት ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ምሕሳብ ዘንጊዕካ ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ጉዳያት ጥራይ ምጽማድ እውን ሓደ ካብቲ ንግስጋሰ ደምበ ተቓውሞ ኣደስኪልዎ ዘሎ ጸገም እዩ። እዚ ኮሚሽን ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ሒዝዎ ዘሎ ዕማም ኣብዚ ጉዳይ’ዚ’ውን ኣገዳሲ መሳርሒ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ዕላማ ናይዚ ኮሚሽን ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕዉት ክኸውን ድማ ናይቶም በዚ ዓንቃጺ መጋረጃታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ውድባትን ካልኦት ናይ ለውጢ ሓይልታትን ተባዕ ንቕሎ ይሓትት። እዚ ማለት እቲ ተበታቲኑ ዘየድምዕ ዘሎ ባህግታትን ዓቕምታትን ኣብ ንጹርን ዘመናውን ኣተሓሳስባን ኣብ ሰልፋዊ ውዳበን ክራኸብ ይግበኦ። ከምቲ ኣብ ኩሉ ኣጋጣምታ ዝግለጽ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ክውገድ ዝግበኦ ግዚያዊ ዓንቃፊ መጋረጃ እቲ ኣብ መንጎ መንእሰይ ወለዶን እቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝሓለፉ ምዕራፋት ቃልሲ ኤርትራ ዝተፈተነ ሓይልን ዘሎ ዘይውሁድ ዝምድና እዩ። እዞም ክልተ ኣካላት ሓደ ብዘይካቲ ሓደ ኣድማዕነት ጥራይ ዘይኮነስ ህልውና’ውን ከም ዘየብሎም ክቕበሉ ይግበኦም። መንእሰይ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዓቕምን ዕድልን ኣለዎ። እዚ ናይ ለውጢ ዓቕምን ዕድልን ግና ብቓልስን ተወፋይነትን ተሰንዩ ዝዕወት እምበር ከም ውሁብ ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን። መንእሰይ ኣብቲ ናይ ለውጢ ጉዕዘኡ ዕዉት ንክኸውን ክስሕቶ ካብ ዘየብሉ ኣገዳሲ ተግባር ድማ ኣብቲ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ተረጊጹ መጻኢ ናይ ምምዕዳው ቅሩብነት ክውንን ግድነት ምዃኑ’ዩ። እቲ ንመንእሰይ ሕድሪ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዘለዎ ወለዶ ድማ ነቲ መንእሰይ በቲ ናቱ ናይ ንእስነት ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ ብመንጽር እቲ መንእሰይ ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ መዋእል’ውን ክመዝኖ ይግበኦ። ስለዚ እቲ ናይ ሕድሪ ምቕባልን ምርካብን ብሕጊ ተገዚኡ ብቓልሲ ሰዊዱ ዝፍጸም እምበር ከከም ድሌትካ እትጥፍጥፎ ዘይምዃኑ ምርዳእ ናይ ግደን እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ስኒት ንምብጻሕ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ክራኸቡ ይግበኦም። ነዚ ውን መድረኽ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሰርሕ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ኩሉ ብሓባር ከይንስጉም ጋሪዱና ዝጸንሐ ዘይመሰረታዊ መጋረጃታት ተርቢዕና ብሓባር ክንጐዓዝ ዘኽእል ኣገዳሲ መራኸቢ ድንድል’ዩ ዝበልና። 3 ለካቲት 2008
ሰልፍና ኣገዳሲ መሰጋገሪ ድንድል’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ምስቲ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት እቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምቲ ዝድለ ዘይምስጓሙ ንኩላትና ብሩህ’ዩ። ነዚ ስኽፍታዚ ንምውጋድ ድማ ዘይተሓለለ ቃልሲ ይካየድ ኣሎ። ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት ክበሃል እንከሎ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣበሃህላ’ዩ። Read more »
-
Archives
- June 2008 (9)
- April 2008 (1)
- March 2008 (5)
-
Categories
-
RSS
Entries RSS
Comments RSS