Eritrean Youth Blog

ሰልፍና ኣገዳሲ መሰጋገሪ ድንድል’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ምስቲ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት እቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምቲ ዝድለ ዘይምስጓሙ ንኩላትና ብሩህ’ዩ። ነዚ ስኽፍታዚ ንምውጋድ ድማ ዘይተሓለለ ቃልሲ ይካየድ ኣሎ። ብሱል ናይ ለውጢ ኩነታት ክበሃል እንከሎ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣበሃህላ’ዩ። ምስዚ ኩነታትና ከነዛምዶ እንከለና፡  በቲ ሓደ ወገን እቲ ንህዝብና ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ኣሲርዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እንደጋና ጸረ-ህዝቢ ቀይድታቱ እናትረረ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ” እዚ ስርዓት’ዚ ኣንጻርና እምበር ወካሊና ኣይኮነን ስለዚ ይወገደልና ” ዝብል ናይ ውጹዓት ድምጽን መጸዋዕታን እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ ማለትና እዩ። ወረ ኣብ ገለገል ኣጋጣምስ ከምቲ ” ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ ” ዝበሃል ምስላ ወለድና ብሰንኪ ሕሰም ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ካብቲ ንናቱ ናይ ለውጢ ረብሓ ዝተሰለፈ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ’ውን ዝፈርሓሉ ኣጋጣሚ ይርአ እዩ። ” ንስኻትኩምስ ነታ ልጓም ምስ ሓዝኩም ነቲ ፈረስ ናበይ ገጽኩም ከም ትገርሕዎዶ እንታይ ውሕስነት ኣለና እዩ ” ዝብል ህዝባዊ ብሂል ምስማዕ እውን ዝተለመደ እዩ።  ዝኾነ ኮይኑ እዚ ሕሱም ተግባራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ስንብራት ኮይኑ፡ እቲ መወዳእታ እንታይ ከም ዝመስል ካብቲ መጀመርታ’ውን ምርዳእ ይካኣል ስለዝኾነ፡ እዚ ሕጂ በቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓ ተደሪኹ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ከም ናይ ሎሚ ህግደፍ ከም ዘይከውንስ ብቕንዕና ንዝፈርድ ብዙሕ ምልክታት ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለና። ዝኾነ ኮይኑ ግና መጻኢ ብናይ ሎሚ ናይ ህዝቢ ተሳትፎን ቃልስን ከም ዝውሰን ድማ ምዝንጋዕ ኣየድልን። ስለምንታይ ሎሚ ናይ ዝዘራእካዮ ፍረ  ኢኻ ጽባሕ ተሓፍስ። ህዝቢ ድማ ነቲ ይውክለኒ ዝብሎ ናይ ምትብባዕን ነቲ ዘይውክሎ ድማ ናይ ምግናሕ ዘይዕጸፍ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክርስዕ ኣይግበኦን። ስርዓት ህግደፍ ውጽኢት ናይ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ጉድለትን ሸለልትነትን ምዃኑ’ውን ኣይዘንጋዕ ንብል። እቶም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተሰሊፍና ዘለና፡ ክሳብ ሎሚ ከም ትጽቢት ህዝብና ካብ ዘይኮናሉ መሰረታዊ ምኽንያት ናይ ለውጢ ድሌትን ናይ ለውጢ ሓይልን ስለ ዘየብልና ኣይኮነን። መጻኢ ብሩህ ናይ ኤርትራ ከመይ ይምሰል ኣብ ምትንባይ ማለት ናይ ዓወት እስትራተጂ ኣብ ምስኣል ፍልልይ ስለ ዘለና እውን ኣይኮነን። እዚስ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ካብ ኮና ከም ውሁብ ክንቅበሎ ዝግበኣና’ዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ጸገምናስ ነቲ መልክዕናን ብዙሕነታዊ መለለዪናን ስለ ዝኾነ፡ ከነመሓድሮ ዝግበኣና ፍልልያት ከም ዘይፈርስ መፈላለዪ መንደቕ ኣምሲልና ስለ ዝወሰድናዮ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እቲ ክመሓደር ዝግበኦ ግና መርሓሓቒ ኮይኑ ዘሎ ዓለባ ሳሬት ብዙሕ መልከዓት ኣለዎ። ብኹሉ ምዝርዛሩ’ውን የጸግም። ዝተወሰነ ካብኡ ጠቒስካ መፍትሒ ምእማት ግና ይከኣል እዩ። እቲ ኣብዚ ክዝለል ዘየብሉ ኣውንታዊ ነገር እዚ ጸገምና ምዃኑ ኩላትና እንኣምነሉ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ምስ ተረዳዳእና ግና እንተ ዓቕሚ ብምስኣን ወይ ግዳይ ነዊሕ ዘየኽይድ ጉርሒ ብምዃን ፍታሕ ናይ ምምጻእ ቅልጣፈና ክንድቲ ፍታሕ ከም ዘድሊ ምዕጋብና ዘይምዃኑ’ዩ። ርግጽ እዩ ዝጐደለ ነገር ከም ዘሎ ኣሚትካ ”እሞ እንታይ ይገበር? ” ዝብል ሕቶ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ጉዳይ ክብደት ካብ ምሃብ ዝብገስ’ውን እዩ። ነቲ ሕቶ ንምምላስ ብተበግሶ ክሳብ ዘይተሰነየ ግና እቲ ጽቡቕ ትምኒት በይኑ ፋይዳ ኣይህልዎን። ነዚ ተበግሶን ውፉይነትን ክትውንን እምበኣር ቡዙሓት ክትቅበሎም ዝግበኣካ ታሪኻውን እዋናውን ሓቅታት ኣለዉ። ነዞም ሓቅታት ክትቅበል ብዙሕ ናይ ቃልሲ ዋጋ ከም ዘኽፍልን ካብ ብዙሓት ጸበብቲ ዓንኬላት ክትወጽእ ዝሓትትን ምዃኑ እውን ዘይምዝንጋዕ። እዚ ተበግሶ’ዚ ብውልቂ፡ ብጉጅለን ብውድብን ክውሰድ ይእከኣል። ዝያዳ ዘድምዕ ግና ብውድብ ደረጃ ክውሰድ እንከሎ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓቅን ኤርትራዊ ክውንነትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ምስኡ ዘሳኒ መጽናዕትታት ድሕሪ ምክያድ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ክምስርት ብደረጃ ጉባኤ ምውሳኑ ኣብነታዊ ተበግሶ እዩ። ንነብሱ ናብ ሰልፊ ምስግጋር ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ብሓደ ከይንስጉም ጋሪዱና ዝነበረ መጋረጃ ቀንጢጡ ምስ ካልኦት ተመሰሳሊ መጻኢ ራእን ረብሓን ዘለዎም ኤርትራዊ ወገናት ብሓባር ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ’የ ዝምስርት ምባሉ ድማ ነቲ ተበግሶ ታሪኽዊ ይገብሮ። ነዚ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓድሽን ደሞክራሲያውን ምዕራፍ ኣብ ምስግጋር ኣስተዋጸኦ ከበርክት ትጽቢት ዝግበረሉ ምምስራት ሰልፊ ኣብ ሰፊሕን ጥጡሕን ባይታ ምድኳን ምእንቲ ክከኣል እትሰርሕ ነጻ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ምስያሙ ድማ እቲ ተበግሶ ታሪኻዊ ጥራይ ዘይኮነስ ተባዕ’ውን ምዃኑ መስካሪ እዩ። ናይዚ ኮሚሽን ኣባላት እንተላይ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዘይነበሩ ከም ዝሳተፍዎ ምግባሩ ናይቲ ዝምስረት ሰልፊ ሰፊሕ ባህርያት ዝምስክር መርትዖ እዩ። እቲ ኮሚሽን ቀዳማይ ምዕራፍ ዕማሙ ብዓወት ኣሰላሲሉ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ምስግጋሩ ድማ ናይቲ ተበግሶ እዋናውነት ዘራጉድ እዩ።  ካብቲ ብሓደ ሰጒምና ዘተኣማምን ናይ ለውጢ ከይንኸውን ዓጊቱና ዝጸንሓ ዘይመሰረታዊ መጋረጃታት ሓደ እቲ ጀብሃ ሻዕቢያ ዝብል ናይ ቃልሲ ታሪኽና መርኣያ እዩ። እዚ ሓደ እዋን ብመልክዕ ክልተ ተሃላለኽቲ ውድባት ተሓኤን ህግሓኤን ዝተጐዓዝናዮ መዋእል፡ ኣካል ታሪኽና ስለ ዝኾነ ኣይንሓኮን። እንተኾነ ናቱ ናይ ምትህልላኽ እሱራት ኮይና ክንነብር ድማ የብልናን። እዚ ማለት ነዚ ሕሉፍ ታሪኻዊ መዋእል ኣብ ምትርጓሙ ዘለና ፍልልይ ከም ዘለዎ ኮይኑ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ግና ብሓባር ካብ ምዕማም ካልእ መዋጸኦ ከም ዘየብልና ክንቅበል ግድነት’ዩ።  እዚ ድማ በዚ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። እቲ ዘይተደላዪ መጋረጃ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ኣይኮነን። ካብኡ ንታሕቲ,ው ኣብቲ ሰፊሕ ደንበ ተቓውሞ ብሓባር እናሓንበስካ፡ ዝንጸባረቕ ጸቢብ ውድባዊ ስምዒታት’ውን ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ጸቢብ ስምዒታት ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ምሕሳብ ዘንጊዕካ ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ጉዳያት ጥራይ ምጽማድ እውን ሓደ ካብቲ ንግስጋሰ ደምበ ተቓውሞ ኣደስኪልዎ ዘሎ ጸገም እዩ። እዚ ኮሚሽን ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ሒዝዎ ዘሎ ዕማም ኣብዚ ጉዳይ’ዚ’ውን ኣገዳሲ መሳርሒ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ዕላማ ናይዚ ኮሚሽን ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕዉት ክኸውን ድማ ናይቶም በዚ ዓንቃጺ መጋረጃታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ውድባትን ካልኦት ናይ ለውጢ ሓይልታትን ተባዕ ንቕሎ ይሓትት። እዚ ማለት እቲ ተበታቲኑ ዘየድምዕ ዘሎ ባህግታትን ዓቕምታትን ኣብ ንጹርን ዘመናውን ኣተሓሳስባን ኣብ ሰልፋዊ ውዳበን ክራኸብ ይግበኦ። ከምቲ ኣብ ኩሉ ኣጋጣምታ ዝግለጽ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ክውገድ ዝግበኦ ግዚያዊ ዓንቃፊ መጋረጃ እቲ ኣብ መንጎ መንእሰይ ወለዶን እቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝሓለፉ ምዕራፋት ቃልሲ ኤርትራ ዝተፈተነ ሓይልን ዘሎ ዘይውሁድ ዝምድና እዩ። እዞም ክልተ ኣካላት ሓደ ብዘይካቲ ሓደ ኣድማዕነት ጥራይ ዘይኮነስ ህልውና’ውን ከም ዘየብሎም ክቕበሉ ይግበኦም። መንእሰይ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዓቕምን ዕድልን ኣለዎ። እዚ ናይ ለውጢ ዓቕምን ዕድልን ግና ብቓልስን ተወፋይነትን ተሰንዩ ዝዕወት እምበር ከም ውሁብ ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን። መንእሰይ ኣብቲ ናይ ለውጢ ጉዕዘኡ ዕዉት ንክኸውን ክስሕቶ ካብ ዘየብሉ ኣገዳሲ ተግባር ድማ ኣብቲ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ተረጊጹ መጻኢ ናይ ምምዕዳው  ቅሩብነት ክውንን ግድነት ምዃኑ’ዩ።  እቲ ንመንእሰይ ሕድሪ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዘለዎ ወለዶ ድማ ነቲ መንእሰይ በቲ ናቱ ናይ ንእስነት ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ ብመንጽር እቲ መንእሰይ ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ መዋእል’ውን ክመዝኖ ይግበኦ። ስለዚ እቲ ናይ ሕድሪ ምቕባልን ምርካብን ብሕጊ ተገዚኡ ብቓልሲ ሰዊዱ ዝፍጸም እምበር ከከም ድሌትካ እትጥፍጥፎ ዘይምዃኑ ምርዳእ ናይ ግደን እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ስኒት ንምብጻሕ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ክራኸቡ ይግበኦም። ነዚ ውን መድረኽ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሰርሕ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ኩሉ ብሓባር ከይንስጉም ጋሪዱና ዝጸንሐ ዘይመሰረታዊ መጋረጃታት ተርቢዕና ብሓባር ክንጐዓዝ ዘኽእል ኣገዳሲ መራኸቢ ድንድል’ዩ ዝበልና። 3 ለካቲት 2008   

June 25, 2008 Posted by jpfcmember | Articles, Aticles | | No Comments Yet